385 afleveringen

Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግር‪ኛ‬ SBS

    • Nieuws

Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

    ብሩንዲ ክትከትብ ጀሚራ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ክታበት ኮቪድ ዘይጀመራ ሃገራት ኮይነት። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

    ብሩንዲ ክትከትብ ጀሚራ፡ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ጥራይ ክታበት ኮቪድ ዘይጀመራ ሃገራት ኮይነት። (ካብ ዕለታዊ ዜና)

     
    ኣርእስታት ዜና
     *ቪክቶሪያ 70 ሚእታዊ ህዝባ ተኸቲቡ ካብ ቀይዲ ክትወጽእ ኣብትዳለወሉ ካልእ ብዝሒ ዘለዎ መልከፍቲ ኮቪድ ተረኺቡ።
     
    ** ኣውስትራሊያ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻሙን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እናገደደ ምምጽኡን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ ።
     
    ሓንቲ ካብተን ክታበት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሃገራት ዓለም ዝኾነት ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሩንዲ ሃገራዊ ወፍሪ ምኽታብ ፡ ብሰኑይ ጀሚራ ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሰሜን ኮርያን ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራን ጥራይ እየን ክታበታት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ።
     
     *** ዋንጫ ዓለም ካብ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኣብ ነፍሲወከፍ 2 ዓመት ክጎድል ንዝቐረበ እማመ ተቓዉሞ ይገጥሞ።

    • 18 min.
    "ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ"ጌታቸው

    "ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ"ጌታቸው

    ኣርእስታት ጸብጻብ፥
     
     
    ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ፤ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከቡዎም ሲቪላት ግዳያት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።
     
     ብኤርትራዊ  ዝውነን ትካል ጉጅለ Constructionንን ልምዓትን $8,000 ዶላር ዝግመት ቦንድ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዓዲጉ ተባሂሉ።
     
     
    ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን፡ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ማሕበረሰባዊ ጎንጺ ከይላባዕ ሓይልታት ፀጥታ ክዋፈሩሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሓቲቱ።
     
    ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር "ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ"  ክብል ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

    • 5 min.
    “ንሕና ኣብቲ ቅዋማዋቲን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንኽትህሉ ምቅላስ ዝብል ኢና ከነተኩር ዘለና።” ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል

    “ንሕና ኣብቲ ቅዋማዋቲን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንኽትህሉ ምቅላስ ዝብል ኢና ከነተኩር ዘለና።” ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል

    ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ተክኖሎጂ፡ መምህርን ተመራማሪን ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ዝነጥፍ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ፡ ኤርትራዊያንን ስግኣቶም ትጽቢቶምን ብዘንጸባርቕ ኩነታት ሓሳቦም ከቕርቡ ኣብ ገሊኡ ክውደቡን ክዛተዩን ይስትውዓሉ’ዮም። ብዛዕባዚ ስግኣቱን ገለ ፍታሓትን ዝበሎ ሓሳብ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤል ካብ 

    • 14 min.
    ኣብ ኣውስትራሊያ ነጻ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ብኸመይ ትረክብ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ኣብ ኣውስትራሊያ ነጻ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ብኸመይ ትረክብ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊያ  ንተራ ሰባት ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ ፤ ነዚ ንምፍላጥ ሞያዊ ሓገዝ የድሊ ይኸውን ። እንተዀነ ግን: ጠበቓታት ኣማእታት ዶላራት ብሰዓት እናኸፈሉ : ኵሉ ሰብ ፍትሒ ክረክብ ኣይክእልን እዩ ። ይኹን "ምበር ፡ ብሕጋዊ ሓገዝ  ወይ legal aid.ኣቢልካ ናጻ ሓገዝ ክትረክብ ይከኣል እዩ።

    • 12 min.
    “ነቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ወጽዓታት ክንኩንን እንተዘይክ ኢልና የለናን ማለት’ዩ።” ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል

    “ነቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ወጽዓታት ክንኩንን እንተዘይክ ኢልና የለናን ማለት’ዩ።” ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል

    ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ፡ ኣብዝተፈላለዩ ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራዊያንን ስግኣቶም ትጽቢቶምን ብዘንጸባርቕ ኩነታት ሓሳቦም ከቕርቡ ኣብ ገሊኡ ክውደቡን ክዛተዩን ይስትውዓሉ’ዮም። ብዛዕባዚ ስግኣቱን ገለ ፍታሓትን ዝበሎ ሓሳብ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤል ካብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ተክኖሎጂ።

    • 17 min.
    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ጥቅምቲ 21)

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (18 ጥቅምቲ 21)

    ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
     
    ** ቪክቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ክታበት ንዝረኸቡ ኣህጉራውያን ገያሾ ናይ ሆቴል ውሸባ ደው ከተብሎን ኣብ ክንድኡ ኣብ ገዛ ክፍለዩን ክትፈቅድ ትጽቢት ይግበር ።
     
     
     
    ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት: ኣብቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ'ሞ ነታ ሃገር ዘናውጽ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ንእተቐትሉ መንእሰያት ንምዝካር፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ሰልፊ ጌሮም።
     
    **  ሓደ ካብ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ  ኮሚተ ኦሎምፒክ ፡ነቲ ኣብ ኣቴንስ ዝካየድ ተቓውሞታት ብምኹናን ብምባል  ጸወታታት  ኦሎምፒክ ብዛዕባ ሓድነት እዩ ኢሉ ።

    • 14 min.

Top-podcasts in Nieuws

Suggesties voor jou

Meer van SBS