SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ SBS Audio
-
- News
-
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
-
ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።
-
"ምስጢር ጥዑም ጸብሒ ኣብ ሽጉርትን ኮሚደረን’ዩ ዘሎ።" ከሻኒ ኣሮን ዑመር
ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
-
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።
-
ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።
ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ
-
#60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)
Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።
-
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ
Customer Reviews
Thank you
Keep up the good work, hearing news in my mother tongue is very refreshing!