499 Folgen

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግር‪ኛ‬ SBS Audio

    • Nachrichten

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

    ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንብኦት 2024)

    ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንብኦት 2024)

    ንሎሚ ሰኑይ 27 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መዓልቲ ባጀት (14 ግንቦት 2024) መንግስቲ ኣብ ደሞዛት ገለ ጽላታት ወሰኽ ብምግባርን ንመቃለሊ ክብሪ ናብራ ዝኸውን ብላዕሊ ብምሃብን ለጋስ እየ ኢሉ ዝቐረበላ ኔራ። እቶም ንማሕበረሰብና ብውልቂ፣ ብስድራ ይኹን ብንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ መጠን ጠቒሞም ዝበሃሉ ግን እንታይ እንታይ ኔሮም፧ ብዛዕባ'ዚ ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም መብርሂ ሂቡ ኣሎ። 24 ግንቦት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላን ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ብዛዕባዚ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሃመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ። ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዕደና ወርቅን ክባራት ኣእማንን ስግኣት ፀጥታን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾኑ መንግስቲ ትግራይ ኣሚኑ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ሓማስ ብሰንበት [27 ግንቦት] ኣብ ቴል ኣቪቭ ፡ እስራኤል ፡ ሓያሎ ሮኬታት ተኲሱ ። ኣብ ፐርዝ፡ ኣደ ምስ ጓላ ብናይ ቀደም ኣፍቃሪ መሓዛኣ ዝነበረ ተቐቲላ፡ ቀታሊ'ውን ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

    • 56 Min.
    ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንቦት 2024)

    ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ግንቦት 2024)

    ንሎሚ ሰኑይ 27 ግንቦት 2024 ዝተዳለወ ዜና። ኣብ ኤርትራ 'ሓያል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ። ሓማስ ብሰንበት [27 ግንቦት] ኣብ ቴል ኣቪቭ ፡ እስራኤል ፡ ሓያሎ ሮኬታት ተኲሱ ። ኣብ ፐርዝ፡ ኣደ ምስ ጓላ ብናይ ቀደም ኣፍቃሪ መሓዛኣ ዝነበረ ተቐቲላ፡ ቀታሊ'ውን ገዛእ ህይወቱ ኣሕሊፉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምእማት "ድሕነታዊ ድልውነት" ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

    • 14 Min.
    ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን መትከል ኢዮብ ኣብ ኣልጀርያ ካልኣይ ወጺኦም፣ ጎትይቶም ገብረስላሰ ኣብ ማንቸስተር ተዓዊታ፣

    ቢንያም ግርማይ ኣብ ጀርመን መትከል ኢዮብ ኣብ ኣልጀርያ ካልኣይ ወጺኦም፣ ጎትይቶም ገብረስላሰ ኣብ ማንቸስተር ተዓዊታ፣

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/05/2024) * ኣብ ዪጂን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ጉዳፍ ጸጋይ ሳልሳይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ’ዚ ርሕቀት ብምምዝጋብ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ጎትይቶም ገብረስላሰ ከኣ ኣብ ዓቢይ ጉያ ማንቸስተር ተዓዊታ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ከለን መትከል ኢዮብ ከኣ ኣብ ኣልጀርያ ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኦም፣ * ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ታደይ ፖጋቻር ንፈለማ ግዚኡ ክዕወት’ንከሎ ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄር ንኡድ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፣ * ዋንጫ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ወይ ኤፍኤ ካፕ ዘይትጽቢታዊ ውጽኢት ተመዝጊብዎ ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ቀዳም ምሸት ተዛዚሙ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕን ጋንትኡን ኸኣ ድሕሪ’ዚ ዓወታ ናይ ኤውርጳ ቦትኦም ብዩናይትድ ተመንጢሎም ኣብ ኤውሮጳ ክጻወቱ ዝነበሮም ሕልሚ መኺኑ፣

    • 12 Min.
    "እቲ ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ኣገባብ ከምዘይተዓወትናሉ ተረጋጊጹ እዩ። ስለዚ.." ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሃይለየሱስ ገብራይን መሓመድ ኢማምን

    "እቲ ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ኣገባብ ከምዘይተዓወትናሉ ተረጋጊጹ እዩ። ስለዚ.." ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ሃይለየሱስ ገብራይን መሓመድ ኢማምን

    24 ግንቦት፡ መበል 33 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ኣገባብ ኣበዓዕላን ምስቲ መዓልቲ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክንጸባረቑ ቀንዮም ኣለዉ። ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ዝጸንሑ ነበርቲ ኣውስትራሊያ ኣብዝተገብረ ጽምብል ክንርከብ ኣለና ብምባል ቅድሚ ሕጂ ክገብርዎ ዝጸንሑ ብዝተፈልየ ክገብሩ ዘገበረ ኩነታትን ምስቲ ኣብ ደምበ ተቓዉሞን ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ክሓትዎ ዝጸንሑ ሕቶታትን ዝምልከት ናይ ሎምን ትማልን መትከሎምን ክልተ ዕዱማት ገሊጾምልና ኣለዉ። ኣብዚ ዘተ ካብ ኩሉ ወገን ኣረኣእያ ክንጸባረቕ ዓዲምና'ኳ እንተ ነበርና፡ ንሎሚ ምስ ኣቶ ወልደየሱስ ገብራይን ኣቶ ሞሃመድ ኢማም ዓብዱራማንን ዝገበርናዮ ዘተ ቀሪቡ ኣሎ።

    • 30 Min.
    'ንመብራህቲን ገዛ ኽራይን መንግስቲ ክሕግዝ'ዩ፣ ኣብ ምእላይ ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ደሞዞም ክውሰኽ'ዩ' - መብርሂታት ብዛዕባ ባጀት 2024/25 ካብ ኣቶ ያሲር ዓብዱራ

    'ንመብራህቲን ገዛ ኽራይን መንግስቲ ክሕግዝ'ዩ፣ ኣብ ምእላይ ዝተዋፈሩ ሰባት ከኣ ደሞዞም ክውሰኽ'ዩ' - መብርሂታት ብዛዕባ ባጀት 2024/25 ካብ ኣቶ ያሲር ዓብዱራ

    መዓልቲ ባጀት (14 ግንቦት 2024) መንግስቲ ኣብ ደሞዛት ገለ ጽላታት ወሰኽ ብምግባርን ንመቃለሊ ክብሪ ናብራ ዝኸውን ብላዕሊ ብምሃብን ለጋስ እየ ኢሉ ዝቐረበላ ኔራ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ እዚኦም ወሰኻት መጠን ዝቕባበ ንላዕሊ ከይሰድዎ ስግኣታት ኔሮም። እቶም ንማሕበረሰብና ብውልቂ፣ ብስድራ ይኹን ብንኣሽቱ ዋኒናት ንግዲ መጠን ጠቒሞም ዝበሃሉ ግን እንታይ እንታይ ኔሮም፧ ብዛዕባ'ዚ ቁሩብ መብርሂ ዝህበና ኣገልግሎታት ምድላይ ስራሕ ሞይኡ ዝኾነን ኣብ ደገፋት ንማሕበረሰብ ብወለንታ ዝነጥፍን ኣቶ ያሲር ዓብዱረሒም'ዩ። ሰናይ ምክትታል።

    • 14 Min.
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2024)

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2024)

    ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/05/2024) ዜና: * ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሸውዓተ ጓሶት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ፣ * ብኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጡ፣ * ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ ምቕታሉ ተሰሚዑ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ስጳኛዊ ዜጋ ከምዝሞተ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣፍሊጡ። ክሲ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እስራኤልን ሓማስን * ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ሓቲቱ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን እስራኤልን ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት መርትዖታት ኣለዉ ይብል። ሓጺር መለማመዲ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ * ሓደ ሓጺር ፖድካስት ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ኒውስ ጃኒስ ፒተርሰን ኣለና። እዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንጃኒስ ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ዘኽእለና’ዩ። ሓቅታት ብዛዕባ ሕማማትን ቅጭውጫዋትን ኣብ ግዜ ሕርሲ * ጥኑሳት እንተኾይንክን ወይ ሓደስቲ ዝወለድክን ብኣጸዋውዓ ቋንቋ እንግሊዝ 'በይቢ ብሉስ' ክበሃል ሰሚዕክን ትኾና፡ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ካብ ነብሲወከፍ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ምስ ሓረሳ ዘጋጥመን'ዩ። እቲ ድሕሪ-ምሕራስ ዘጋጥም ጭንቀት (ፖስትነይታል ዲፕረሽን) ግን ካልእ ዝተፈልየ'ዩ። እዚ ንሓዲኦም ካብ’ቶም ወለዲ ከጋጥሞም ይኽእል፡ ክሳብ መዓስ ይጸንሕን ይኸብድን ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ነቶም ድሕረ-ወሊድ ጭንቀት ዝገብረሎም ሰባት ክሕከሙን ደገፍ ክረኽቡን ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ቀረባት ኣገልግሎት ክንፍትሽ ኢና።

    • 48 Min.

Top‑Podcasts in Nachrichten

Inside Austria
DER STANDARD
Die Dunkelkammer – Der Investigativ-Podcast
Michael Nikbakhsh
Ö1 Journale
ORF Ö1
Thema des Tages
DER STANDARD
Der Professor und der Wolf
ORF Radio FM4
LANZ & PRECHT
ZDF, Markus Lanz & Richard David Precht

Das gefällt dir vielleicht auch

Mehr von SBS

SBS Russian - SBS на русском языке
SBS
SBS German - SBS Deutsch
SBS
SBS Dutch - SBS Nederlands
SBS
Slow Italian, Fast Learning - Slow Italian, Fast Learning
SBS
SBS News In Depth
SBS
SBS Croatian - SBS na hrvatskom
SBS