SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 መስከረም 2025)

** ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን መንግስቲ ንሰባት ናብ ጥሩፍ ኣረኣእያታት የሰጋግርዎም ኣለው ክብል ኣባል ፓርላማ ሰልፊ ጥምረት ማት ካናቫን ገሊጹ ። ** ኣብ የመን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣሕመድ ኣል-ረሃዊ ዝርከቦም 12 ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሑቲ ድሕሪ ምቕታሎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቀቢሮሞም ። ** ኣለክሳንደር ኢሳቅ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ብምስጋር ኣብ ታሪኽ ኩዕሶእግሪ ዓዲ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኮይኑ።