ንሎሚ ሓሙስ 28 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዝመጽእ መዓልታት ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ናይ መወዳእታ ዓመት መዓልታት ጳጉሜን ዝጅመረሉ እዩ፡ ብ እ ኡ ኣቢሉ ድማ ሓድሽ ዓመት 2028 ዝጅመረሉ። ኣብዚ ቕነ ብደቂ ኣንስዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝዝውተሩ ኣሰኒና ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ዝሓጸ ጸብጻብ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ካብ ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ትሕቲ ከቢድ ወጥሪ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ዝተሰምየ መድረኽ ተጀሚሩ። ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያዪጡ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተመዲበን ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ? ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራናውያን ኣውስትራሊያውያን ነቲ መንግስቲ ንዲፕሎማሰኛታት ኢራን ንምስጓግን ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራዊ ትካላት ንምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ። ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቓዛ ዝምልከት ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝግበር ኣኼባ ክመርሖ እዩ ። እንግሊዛዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ኤማ ራዱካኑ ፡ ናብ ሳልሳይ መድረኽ U-S Open ሓሊፋ ኣላ ።
資訊
- 節目
- 頻道
- 頻率每日更新
- 發佈時間2025年8月28日 上午6:23 [UTC]
- 長度53 分鐘
- 年齡分級兒少適宜