ስደተኛታትን መጻእትን ዓዶም ገዲፎም ምስ ወጹ ኣብ’ቲ ዝነብርሉ ዓዲ ዘጋጥሞም ኩሉ ክቕበልዎ ወይ ክምክቱ ርዱእ ገይሮም ይወስድዎ።እቶም ካብኦም ዝውለዱ ግን ካልእ ዓለም ይጽበዮም። ኣብ ገዝኦም ባህልታትን ክብርታትን ወለዶም ክቕበልዎ ትጽቢት ክግበረሎም’ንከሎ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ግን ዓብላሊ ኣውስትራልያዊ ባህሊ ተረዳዲኦም ክሓልፍዎ የድልዮም፣ ክልተ ዓለማት ኣብ ዝመሳቐልሉ ኩነታት ድማ ክዓብዩ ይኽእሉ። እዚ ተሞክሮ ንመንነቶም ክሓቱ ወይ ክጠራጠሩ ስለዝገብሮም ኣብ መንጎ’ቶም ሓደስቲ ዝመጹ ወለዶታትን ኣብ ኣውስትራልያ ዝተወልዱ ወለዶን ማሕበራዊ ምፍልላይ ክፈጥረሎም ይገብር። ኩሎም ወለዶታት መጻእትን ስደተኛታትን ዝሓልፍዎም ጸገማትን ዘካይድዎም ቃልስታትን ምርዳእ እምበኣር ንወጥሪ ኣብ መንጎ ወለዶታት ኣብ ምጉዳልን ናይ መጻኢ ቃልስታቶም ኣብ ምሕያልን ክሕግዙ ይኽእሉ።
資訊
- 節目
- 頻道
- 頻率每日更新
- 發佈時間2025年8月31日 下午10:30 [UTC]
- 長度8 分鐘
- 年齡分級兒少適宜