SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንዋንነት ቀይሕ ባሕርን ኣብዚ ቕነ የጎሃህሩ፡ ኤርትራ ምላሽ ኣይትህብን። (ሓጸርቲ ዜናታት፡ 3 መስከረም 2025)

** ካልኣይ ዓቢ ምንቅጥቃጥ መሬት ን ኣፍጋኒስታን ኣናዊጽዋ። ** ቀ/ሚ ኣብይ ኣብይ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ዋንነት ወደብ ዓሰብን ኣብዚ ቕነ ከጎሃህርዎ ቀንዮም፡ ኤርትራ ነዚ ምላሽ ኣይሃበትሉን። ** መራሒ ጉጅለ ኒዮ ናዚ ተታሒዙ፡ ኣብ ካምፕ ኣቦርጂናውያን ምስ ጉጅለኡ ዘውረዶ መጥቃዕቲ ክሲ ቐሪብሉ።