ን ሎሚ ሰኑይ 15 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ግእዝ ምስ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ዝገበርናዮ ዝርርብ ሎሚ ክንውድኦ ኢና። ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ፡ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ተመሃሮ 12 ክፍሊ 91.6% ተምሃሮ ክወድቁ እንከለዉ 8.4% ጥራሕ ሓሊፎም። ኣብ ትግራይ’ውን 8 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ጥራይ ምሕላፎም ተገሊጹ ኣሎ። ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብሞያን ተጋሩ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝወቅስ ጥርዓን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቡ። ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቀብ ክቕፅል ኣዚዙ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሱሳን ለይ ንጃኪንታ ናምፒንጂንፓ ፕራይስ ካብ ናይ ቅድሚት መናብር ሰልፊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምስጓጓ ሚኒስተራታ በዊዛቶም ። ** ብቐዳም 13 መስከረም ኣንጻር ስደተኛታት ብኣንጻሩን ዝቕንዑ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበሩ ዉዒሎም። ** ዉድድር ናይ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኢስጳኛ ብሰንኪ ደገፍቲ ፍልስጢኤማውያን ዝገበርዎ ተቓዉሞ ተዘሪጉ።
Информация
- Подкаст
- Канал
- ЧастотаЕжедневно
- Опубликовано15 сентября 2025 г. в 05:19 UTC
- Длительность50 мин.
- ОграниченияБез ненормативной лексики