
ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ዝተገብረ ጸረ ስደተኛታት ሰልፊ፡ ስግኣት ምእታው ስደተኛታት ናብ ኣውስትራሊያ ምኽኑይ ድዩ፧
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣንጻር ስደት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሮም ነይሮም ። መበገሲ ናይቶም ኣዳልወቲ እቲ መደብ "ምረሻ ንኣውስትራልያ' ኢሎም ዝጽውዕዋ ኮይኑ ፡ "ጃምላዊ ፍልሰት" ደው ንምባል ዝቐረበ ጻውዒት እዩ ነይሩ ፣ ተቓወምቲ ከም ምኽንያት ቅልውላው ኣባይቲ ፡ ክብሪ ዋጋ መነባብሮ ብሰንኪ ናብዚ ሃገር ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ምዃኑ ይዛረቡ ። ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣንጻር ምእታው ስደተኛታት ኣብ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊታት ሓደ ስጊንጢር ኣሎ ። እቶም ተቓወምቲ ፡ ዉሑዳት ናይቶም ኣብ ቊጠባን ስራሕን ኣብ መጻእን እታ ሃገር ዝምክቱ ዘለዉ ምዃኖም እዩ ።
信息
- 节目
- 频道
- 频率一日一更
- 发布时间2025年9月3日 UTC 22:41
- 长度11 分钟
- 分级儿童适宜