SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 11 小時前

    ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መስከረም 2025)

    ን ሎሚ ሰኑይ 15 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2018 ግእዝ ምስ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ ዝገበርናዮ ዝርርብ ሎሚ ክንውድኦ ኢና። ኣብ ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ምምጻእ ናብ'ዚ ዓዲ ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ጌጋታት ሕጊ፡ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኣሜሪካውያን ሰብ ሃብቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ቱሪዝም ክነጥፉ ምይይጥ ኣካይዶም። ንብሉጻት ተምሃሮ ዞባ ደቡብ ሽልማት ከም ዝተውሃበ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ተመሃሮ 12 ክፍሊ 91.6% ተምሃሮ ክወድቁ እንከለዉ 8.4% ጥራሕ ሓሊፎም። ኣብ ትግራይ’ውን 8 ነጥቢ 3 ምኢታዊ ጥራይ ምሕላፎም ተገሊጹ ኣሎ። ዓለምለኸ ማሕበር ምሁራትን ሰብሞያን ተጋሩ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዝወቅስ ጥርዓን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቕሪቡ። ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበሮ ማዕቀብ ክቕፅል ኣዚዙ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሒት ሰልፊ ሊበራል ሱሳን ለይ ንጃኪንታ ናምፒንጂንፓ ፕራይስ ካብ ናይ ቅድሚት መናብር ሰልፊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምስጓጓ ሚኒስተራታ በዊዛቶም ። ** ብቐዳም 13 መስከረም ኣንጻር ስደተኛታት ብኣንጻሩን ዝቕንዑ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ክግበሩ ዉዒሎም። ** ዉድድር ናይ መወዳእታ መድረኽ ቮልታ ኢስጳኛ ብሰንኪ ደገፍቲ ፍልስጢኤማውያን ዝገበርዎ ተቓዉሞ ተዘሪጉ።

    50 分鐘
  2. 4 天前

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መስከረም 2025)

    ሎሚ ሓሙስብ ኣቋጻጽራ ግእዝ ሓድሽ ዓመት ሓደ መስከረም 2018 እዩ። ንኹላትኩም ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ተኽብሩ ሰማዕትና እንቋዕ ኣብጽሓኩም። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብምኽንያት እዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመተ 2018 መልእኽቲ ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ትግራይ ምስካየ ህዙናን መድሃኔ ዓለም ብርዝቤን መልኣከ ሰላም ኣባ ሳህለ ማርያም ሃይሉ። ክቐርብ እዩ። ሉኡኽና ዝሰደደልና መልእኽቲ፥ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ኤርትራን ናይ ሓዱሽ ዓመት መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣመሓላሊፎም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ህንፀት መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ኣብዲ ፋራህ ዝመርሖ ልኡክ ሶማልያ ኣስመራ ኣትዩ። ብዘይካዚ ን ኣውደኣመት ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ዜማታት ክንጋብዘኩም ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንተኒ ኣልበኔዝን መራሒት ሰልፊ ተቓዋሚ ሱዛን ለይን ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ግእዝ ናይ እንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ ብምኽንያት እቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ንእተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ፡ ማዕቀብ ክግበረላን ብኸፊል ንግዳዊ ምድስካል ዝግብረሉን ኩነታት ክትላዘብ ምዃና ኣፍሊጣ ። ፍቱው ኣጥቃዒ ጋንታ መልበርን ቪክትሪ ብሩኖ ፎርናሮሊ ምጽዋት ኩዕሶ ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ ።

    51 分鐘

評分與評論

4.6
(滿分 5 顆星)
9 則評分

簡介

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

「SBS Audio」的更多內容

你可能也會喜歡