SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 መስከረም 2025)

ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ማለት ኣብ ሲድኒ ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ሆባርት ፡ መልበርን ፡ ፐርዝ ን ዞባታትን ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። መራሕቲ መንግስቲን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ነቲ ሰልፍታት ኮኒኖሞ። ** ፕረዚደንት ኢንዶነዥያ ፕራቦዎ ሱብያንቶ ፡ሃገሩ ንፖለቲካውያን ውድባት ዝወሃቡ ዝነበሩ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ኪሕደጉ ምዃኖም ከም እተሰማምዑ ገሊጹ ። ** ኣብ ውድድር ማራቶን ሲድኒ ሃለማርያም ኪሮስን ሲፋን ሓሰንን ክብረ ወሰን ዘመዝገበር ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ተዓዊቶም ።