ኣብ ትሕቲ ወለድና ካብ ዝዓበናሉ ገዛ ዕድመና ኣኺሉ ምውጻእ ሓደ ካብ’ቶም ከም መንእሰያት ኣብ ምስግጋር ናብ ነጻ ህይወትን ናብራ በጽሒን ንወስዶም ቀንዲ ስጉምቲታት’ዩ። ወለዲ ማሕበረሰባትና ደቅና ካብ ገዛ መዓስ ክወጹ ንደሊ ተባሂልና እንተንሕተት ናይ ብዙሓትና መልሲ ይመርዓዉ’ምበር ደሓን፣ እንተዘየሎ ግን ይጽንሑ ኢልና ምምለስና። ብዙሓት ኣውስትራልያውያን ዕድሜኦም መፋርቅ 20ታት ምስ ሓለፈ ገና ምስ ወለዶም ክነብሩ ዘይቅቡል ኮይኑ እንተረኸቡዎ'ኳ ምስ'ቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዝነበረ ተርእዮ ክነጻጸር እንከሎ ግን ኣብ'ዚ እዋን ዝበዝሑ ከምኡ ይገብሩ ከምዘለዉ ኣሃዛት የመልክቱ። ኣብ’ዚ ወሳኒ ዕድመ ምፍልላይ ደኣ ወለድን መንእሰያትን ክፈልጥዎምን ኣብ ግምት ከእትውዎምን ዘለዎም ነገራት እንታይ እዮም፧
資訊
- 節目
- 頻道
- 頻率每日更新
- 發佈時間2025年9月7日 下午10:30 [UTC]
- 長度10 分鐘
- 年齡分級兒少適宜