ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ንወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዕዉት መጥባሕቲ መዓናጡ ተኻይዱ። መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ብር እምነ ኩርናዕ ፕሮጀክት እምነ ሰረት ተቐሚጡ። ኣብ መኾኒ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሰብን መውቃዕትን ዝተጠርጠሩ ዛጊድ ድማ 16 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም፡ ካብዚኦም ሰለስተ ኣባላት ሰራዊት እዮም። ሰለስተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ካብ መዝነቶም ተኣልዮም። ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ን ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ እስመለኣለም ምሕረቱ ሓዊስካ ንሰለስተ ሰበስልጣን ከም ዝኣለየ ተገሊጹ።
Información
- Programa
- Canal
- FrecuenciaCada día
- Publicado4 de septiembre de 2025, 12:03 a.m. UTC
- Duración9 min
- ClasificaciónApto