SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ኣውስትራልያ ዓድና ኮይና ትስመዓና ዶ፧

ሓደ ክንነብረሉ ዝጸናሕና ወይ ከም ሓደስቲ መጺእና ዝተጣየስናሉ ዓዲ ክንቅበሎ፣ ናትና ኢልና ክንጽውዖን ምስ ካልኦት ከማና ኢልና ዝኣመንናሎም ክንሕወስን ምስ ጀመርና ንናብራናን ህይወትናን ዝሓሸ ክኸውን ይገብሮ። እዚ ግን ኣብ ባዶሽ ዝኸውን ስለዘይኮነ ከምኡ ክስመዓና ብወገንና ጥራይ ዘይኮነ ብማሕበረሰብናን መንግስቲ’ታ ንነብረላ ሃገርን ንጡፍ ተሳትፎን ኣበርክቶን ክህልዎ የድሊ። ስለ’ዚ እቶም ነዚ ክስመዓና ዝሕግዙ ወይ ዝገብሩ እንታይ’ዮም፧ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶም ክንፍትን ኢና።