SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 1일 전

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሕዳር 2025)

    ን ሎሚ ሰኑይ 10 ሕዳር 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣውስትራሊያ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኩናት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ዝሃበቶ ቀዋሚ ናይ ሰብኣውነት ቪዛ ሓደ ሚሊዮን ከምዝበጽሕ ተፈሊጡ ። እዚ ኣገዳሲ ቁጽሪ ፡ ስደተኛታት ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓብዪ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ክብሪ ክወሃቦም ደሪኹ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ድሕሪ ዜና ክቐርብ እዩ። ምስ ዳይረክተር ፔን ኤርትራ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋል ዕላልውን ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክትታት ታሕተዋይ ኦሞ መሰል ደቀባት ብምግሃስ ገበነኛ ገይሩ። ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ። ስርዓት ሓመድን ማይን ትግራይ ብኲናት ከም ዝተመረዘ፣ ዘላቒ ሓደጋ ስነ-ህይወት ከም ዘሎ ሓደ መጽናዕቲ ኣጠንቂቑ። ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበሩ ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከም ዝገለሱ ገሊጾም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ተጣበቕቲ ፍልስጤማውያንን ክሊማን ምስ ኣይሁዳውያን ጕጅለታት ሓቢሮም ነቲ መንግስቲ ኒው ሳውዝ ዌልስን ፖሊስን ንጉጅለ ኒዮ ናዚስት ሰልፊ ክገብሩ ንምድጋፍ ዝተወስደ ስጉምቲ ተቓዊሞም። ** ኣስታት 300 ገያሾ ጽዒና ኣብ ጥቓ ዶብ ታይላንድ-ማለዥያ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣማኢት ድማ ጠፊኦም ። ** ማንቸስተር ሲቲ ነታ ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ዝኾነት ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣብ ማንቸስተር ሰለስተ ብባዶ ሲዒራታ።

    52분

평가 및 리뷰

4.6
최고 5점
9개의 평가

소개

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

SBS Audio의 콘텐츠 더 보기