
"ኲናት እንተ ተወሊዑ፡ ጂኦግራፊያዊ ምልውዋጥ ከስዕብ ዝኽእል ብዙሓት ሰብ-ጥቕሚ ዝሳትፍዎ ኣህላቒ'ዩ ክኸውን።" ህሉው ኩነታት ምስ ኣቶ ኣብርሃ በላይን መሓሪ
ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ፡ ዉዕል ፕሪቶሪያ ብዘይምትግባሩ ተፈጢሩ ዘሎ ደውታን ቅልውላውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ኣጀንዳ ባሕሪን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ ኲናት ሃዋሁው ኣንጸላልዩ ይርከብ። እዚ ኩነታት ክንዮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ሰብ ረብሓ ዝኾኑ ሓይልታት'ውን ከይሳተፍዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ ዘተ፡ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
정보
- 프로그램
- 채널
- 주기매일 업데이트
- 발행일2025년 11월 13일 오전 5:27 UTC
- 길이46분
- 등급전체 연령 사용가