
"ኲናት እንተ ተወሊዑ፡ ጂኦግራፊያዊ ምልውዋጥ ከስዕብ ዝኽእል ብዙሓት ሰብ-ጥቕሚ ዝሳትፍዎ ኣህላቒ'ዩ ክኸውን።" ህሉው ኩነታት ምስ ኣቶ ኣብርሃ በላይን መሓሪ
ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ፡ ዉዕል ፕሪቶሪያ ብዘይምትግባሩ ተፈጢሩ ዘሎ ደውታን ቅልውላውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣልዒልዎ ዘሎ ኣጀንዳ ባሕሪን ስዒቡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ ኲናት ሃዋሁው ኣንጸላልዩ ይርከብ። እዚ ኩነታት ክንዮ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ሰብ ረብሓ ዝኾኑ ሓይልታት'ውን ከይሳተፍዎ ተሰጊኡ ይርከብ። ብዛዕባ ዉዕል ፕሪቶሪያ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ መን'ዩ፧ ሕጋውነት ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያን ዘስዕቦ ጂኦ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብዚ ዘተ፡ ናይ ፈለማ ናይ ኢትዮጵያውያን ማሕበራዊ መዲያ ዝኾነ "ኢትዮ-መዲያ" መስራትን ተንታንን ጸሓፍን ኣብርሃ በላይ ከምኡውን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝኾነት "መስትያት" ዝመስረተ መሓሪ ኣብርሃም ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
信息
- 节目
- 频道
- 频率一日一更
- 发布时间2025年11月13日 UTC 05:27
- 长度46 分钟
- 分级儿童适宜