ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

20. ራብዐይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል

ኣብዚ ካልኣይቲ ክፋል፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይዀነት፣ እግዚአብሔር ብህልዉንኡ ንህዝቡ ከም ዝቕደስ ኪዳን ኮይና ዝቖመት መዓልቲ ምዃናን፣ ብተወሳኺ ካብ ባርነት ሓራ ናይ ምዉጻእ ምልክት፣ ግዙኣት ሓራ ዝዉጽኡላ፣ ድኽነት ዝሰዓረላ፣ ናይ ምሕረት፣ ናይ ቅዱስ እኬባ፣ መስዋእቲ ናብ እግዚአብሔር ዞዓርገላ መዓልቲ ምዃና፣ ክንርኢ ኢና።