SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 2D AGO

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ሕዳር 2025)

    ንሎሚ ሓሙስ 06 ሕዳር 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ሓይልታት ህወሓት 'ዶብ ሰጊሮም ብምጥቃዕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ' ከሲሱ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዛጊድ ብሙሉእ ክትግበር ከምዘይካኣለ ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ሰኔት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ 38 ተጋሩ ናብ ትግራይ ሰዲዱ። 62 ተጋሩ ግና ኣብ ኣስመራ ተሪፎም ተባሂሉ። ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡ ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተዛሪቡ። ኣብ ኤርትራ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ዓሪፉ ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኲንስላንድ ፡ ፖሊስ ጸረ ግብረሽበራ ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ፡ ነታጒ ብምስራሕን ብምዝውዋርን ዝጠርጠሮም ን 7 ሰባት ክሲ መስሪትሎም። ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ታሪኻዊ ዓወት ዞህራን ማምዳኒ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰልፊ ዴሞክራትስ ኣብ ካሊፎርንያ’ውን ካልእ ዓወት የጽምብሉ ኣለዉ ። ተኸላኻላይ ጋንታ ቶተንሃም ሆትስፐር ሰንትራል ኣብ ልዕሊ ኤፍ-ሲ ኮፐንሃገን 4ብ0 ንምዕዋት ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ ተገሊጹ ።

    55 min
  2. 3D AGO

    Dating or matchmaking: How to find a partner in Australia - ምርካብ መጻምዲ ፍቕሪ (Dating) : ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ብኸመይ ይርከብ፡

    Many newly arrived migrants in Australia seek relationships not only for romance but to regain a sense of belonging. Separation from loved ones often drives this need for connection. This episode explores how dating in Australia differs from more collectivist cultures and how newcomers can find partners. From social events and dating apps to professional matchmaking, it highlights how migrants can build confidence, connection, and safety as they find love in a new country. - ብዙሓት ሓደሽቲ ናብ ኣውስትራሊያ ዝመጹ ስደተኛታት ፍቕራዊ ዝምድና ንኽምስርቱ ጥራይ ዘይኮነስ ስምዒት እንታይነትን ህላውነትን ኣውስትራሊያ ንኽረኸቡ ድሌት ኣለዎም ። ካብ እተፍቅሮም ሰባት ምፍልላይ ብዙሕ ግዜ ነዚ ዝምድና እዚ ዝያዳ የጋድዶ እዩ ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ፍቕሪ ዓርኪ ምሓዝ ካብ ናይ ሓባራዊነት ዘለዎም ባህልታት ብኸመይ ከምዝፍለን ሓደሽቲ ዝመጹ መጻምድቲ ብኸመይ ክረኽቡ ከምዝኽእሉን ዝድህስስ እዩ ። ካብ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትን ክሳብ ናይ ሞያዊ መዛምድቲ ፡ ስደተኛታት ኣብ ሓዳስ ሃገር ኣፍቃሪ/ት ንምርካብ ብኸመይ ብርእሰ ምትእምማን ፡ ምትእስሳርን ዉሑስ ዝኾነ ዝምድና ከም ዘማዕብሉ ዘጕልሕ እዩ ።

    11 min

Ratings & Reviews

4.6
out of 5
9 Ratings

About

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More From SBS Audio