SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 4H AGO

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 መስከረም 2025)

    ን ሎሚ ሰኑይ ባሕቲ መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ብምዃኑ ኣብ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ 1961 ዝጀመረሉ ዕለት ዝዝከረሉ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ምስ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቻይና ዝነበረ ኣምባሳደር መሓመድ ኑር ጌርናዮ ዝነበርና ከነቕርቦ ኢና። ምንዮት ወለዲ ምስ ድሌትን መጻእን ኣውስትራልያውያን ደቆም ከመይ ይሳነ፧ ዝብል ሓደ ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና’። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ከተማ ማይጨው ቦምባ ከም ዝተደርበየ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንነት ዘቕነዐ ማእሰርቲ የጋጥም ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ምጥራዝ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ቀፂሉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ፡ ማለት ኣብ ሲድኒ ፡ ካንበራ ፡ ብሪዝቤን ፡ ሆባርት ፡ መልበርን ፡ ፐርዝ ን ዞባታትን ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። መራሕቲ መንግስቲን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ነቲ ሰልፍታት ኮኒኖሞ። ** ፕረዚደንት ኢንዶነዥያ ፕራቦዎ ሱብያንቶ ፡ሃገሩ ንፖለቲካውያን ውድባት ዝወሃቡ ዝነበሩ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ኪሕደጉ ምዃኖም ከም እተሰማምዑ ገሊጹ ። ** ኣብ ውድድር ማራቶን ሲድኒ ሃለማርያም ኪሮስን ሲፋን ሓሰንን ክብረ ወሰን ዘመዝገበር ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣትሌታት ተዓዊቶም ።

    50 min
  2. 4D AGO

    ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ነሓሰ 2025)

    ንሎሚ ሓሙስ 28 ነሓሰ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዝመጽእ መዓልታት ብ ኣቆጻጽራ ግእዝ ናይ መወዳእታ ዓመት መዓልታት ጳጉሜን ዝጅመረሉ እዩ፡ ብ እ ኡ ኣቢሉ ድማ ሓድሽ ዓመት 2028 ዝጅመረሉ። ኣብዚ ቕነ ብደቂ ኣንስዮን ብደቂ ተባዕትዮን ዝዝውተሩ ኣሰኒና ጳጉመን እንታይ ማለትዩ? ሆየ ሆየ ንምንታይ ይበሃል? ወርሒ መስከረም ሓዲሽ ዓመት ክኸውን ንምንታይ ተመሪጹ? እዚ ሓዲሽ ዓመት ምስቲ ናይ ኣውሮጳዊያን እንታይ ብልጫን ፍሉይነትን ኣለዎ? ነዚን ካልእን ሊቃውንቲ ዝሃብዎ ትንታነታት ዝሓጸ ጸብጻብ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ካብ ክልላዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ሓዱሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብቲ ትሕቲ ከቢድ ወጥሪ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ ትግራይ ጉባኤ ዘተን ምርድዳእን ዝተሰምየ መድረኽ ተጀሚሩ። ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመያዪጡ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተመዲበን ግዱድ መርዓ እንታይ እዩ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝወሃብ ደገፍከ? ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኢራናውያን ኣውስትራሊያውያን ነቲ መንግስቲ ንዲፕሎማሰኛታት ኢራን ንምስጓግን ንሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርዝር ግብረሽበራዊ ትካላት ንምእታው ዝወሰዶ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ። ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ብዛዕባ መጻኢ ቓዛ ዝምልከት ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝግበር ኣኼባ ክመርሖ እዩ ። እንግሊዛዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ኤማ ራዱካኑ ፡ ናብ ሳልሳይ መድረኽ U-S Open ሓሊፋ ኣላ ።

    53 min

Ratings & Reviews

4.6
out of 5
9 Ratings

About

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More From SBS Audio