SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ታሪኽ ፍሉጥ ነጋዳይ፡ ተጣባቒ መሰልን ገባሪ ሰናይን ፊት/ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ምስ ኻልድ ኣበራ

ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ሓደ ካብ ቀዳሞት ናይ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮምን ንባይቶ/ፓርላማ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል።