SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

  1. 1 DAY AGO

    Understanding treaty in Australia: What First Nations people want you to know - ምርዳእ ውዕል (treaty) ኣብ ኣውስትራሊያ: ቀዳሞት ህዝባታት ብዛዕባ'ዚ ክንርድኦ ዝደልዩና ነገራት።

    Australia is home to the world’s oldest living cultures, yet remains one of the few countries without a national treaty recognising its First Peoples. This means there has never been a broad agreement about sharing the land, resources, or decision-making power - a gap many see as unfinished business. Find out what treaty really means — how it differs from land rights and native title, and why it matters. - ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ጥንታውያን ባህልታት ካብዘለዉዋ ሃገር እያ: እንተዀነ ግን ሓንቲ ካብተን ንቐዳሞት ህዝብታት ኣፍልጦ ዘይሃባ ሒደት ሃገራት እያ ። እዚ ማለት ብዛዕባ ምምቕራሕ መሬት: ጥሪት: ወይ ናይ ውሳነ ስልጣን ብዛዕባ ስምምዕ ተገይሩ ኣይፈልጥን እዩ: እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ዘይተወደአ ዕማም ገይሮም እዮም ዝርእይዎ ። ውዕል ወይ ጥሪት ክብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ፍለጥ ፣ እዚ ውዕል እዚ ካብ ናይ መሬት መሰላትን መበቈላዊ መሰላትን ብኸመይ ከም ዝፍለ ፡ ከምኡ እውን ኣድላይነት ውዕል ዝምልከት ንምፍላጥ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ።

    9 min
  2. 2 DAYS AGO

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ጥቅምቲ 2025)

    ን ሎሚ ሰኑይ 20 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ፈለማ ፊተውራሪ መሓመድ ሕጎስ ኣበራ፡ ብንግዲ ብፖለቲካን ብልግሲን ዝፍለጡ ኣቦ እዮም ኔሮም። ብፍላይ ማሕበር ኣውቶቡስ ማይ ዉዑይ/ ዲታ ኣበራ ዝብል ስም ብብዙሓት ዝፍለጥ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ፈለማ ደቀባት ሆቴል ሊል ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሩን ንባይቶ ክልተ ግዜ ዝተወዳደሩን ፖለቲከኛን ነጋዳይን ነይሮም። ንታሪኽ ህይወቶም ትገልጽ መጽሓፍ ብ እምነቱ ተስፋይ ተጻሒፋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ኣላ። ነዚ ኣመልኪትና ንወዲ ወዶም ን ፊተውራሪ መሓመድ ሓጎስ ኣበራ ዝኾነ ጸሓፊ ካልድ ኣበራ ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና ድሕሪ ዜና ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ምንቅስቃስ ዘይሻራዉያን ሃገራት ተሳቲፋ ጽገና ዓለማዊ ስርዓት ክግበር ተማሕጺና። ባንኪ ኢንቨስትመንት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 110 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ቃል ኣቲዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ምፅናት ዓሌት ትግራይ ኣብ ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወይ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ገበን ተፈጺሙ ኢሉ። ነበር ፕረዚደንት እስልምና ኢትዮጵያ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ብሞት ተፈሊዮም። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰኔተር ፖሊን ሃንሰን ነቲ ካብ ሰልፉ ሰልፊ ናሽናልስ ከምዝወጽአ ዘፍለጠ ሰናተር በርናቢ ጆይስ ናብ ሰልፋ ሰልፊ ዋን ኔሺን ክጽምበር ብወግዒ ጸዊዓ። ** ሰራዊት እስራኤል ፡ ሓማስ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብምጥሓሱ ፡ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ከም ዝፈነወ ገሊጹ ። ** ኣውስትራሊያዊ ማናጀር ኩዕሶ እግሪ ኣንጂ ፖስትኮግሉ ን ሸሞንተ ጸወታታት ኢንግሊሽ ፕሪሚየር ድሕሪ ምምራሑ ጋንታ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣባሪራቶ ።

    52 min

About

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More From SBS Audio