SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ጡብ ምጥባው ካብ ካንሰር ጡብ ክከላኸል ከምዝኽእል ሓድሽ ምርምር ኣረጋጊጹ።

ጡብ ምጥባው ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ብምዕባይ ንዘጥብዋ ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ክከላኸለለን ከምዝኽእል ኣውስትራሊያዊያን ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ ጥንስን ጡብ ምጥባውን ረኽሲ ዘስዕቡ ክቃለሱ ዝኽእሉ ዋህዮታት T-cells ብምምዕባል ፡ ነቶም መንሽሮ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ዘይንቡር ዋህዮታት ይከላኸሉ ።